ቅድሚ ኣስታት ሓሙሳ ዓመታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተረኽበ ኤክሰላ ዝተባህለ ዓይነት ቡን፡ ሎሚ ተቐባልነቱ እናዓበየ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ንሓረስቶት ድማ መለሳ ኰይኑ፡ መጠናዊ ኣታዊ ንኽረኽቡ የኽእሎም። ምስ ...
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብቅልውላው መሪሕነት ክትሳቐ ዝጸንሐ ኣውስትሪያ፡ ሎሚ ሰኑይ ብቻንስለር ክርሲታን ስቶከር ዝምራሕ ናይ ጥምረት መንግስቲ ስራሑ ጀሚሩ። ኣብታ ብሽቕለት ኣልቦነትን ዝቕባብን ...
መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክሬን-ሩስያ ንምዝርራብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሎንደን ተራኺቦም። ፕረዚደንት ዩክክሬን’ውን ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ ርሱን ዝርርባት ...
ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ኲናት ደው ምባል፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ተንብሮ ዘላ ግብርን ምቅናስ ብዝሒ ሰራሕተኛታት ፌደራላዊ መንግስቲን ዝብሉ ካብቶም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ናይ ካልኣይ እብረ ምምሕዳሮም ቀዳማይ መደረ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን ዝያዳ ከብርህዎም እዮም ...
እስራኤል ትማሊ ሰንበት ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ቓዛ ኸይኣትዋ ከም ዝኸልከለት ተፈሊጡ። ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ትማሊ ሰንበት ኣብ መሕለፊ መስመር ዶብ ናይ ግብፂ ራፋህ ደው ኢለን ...
ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ዓድዋ ኣብ’ታ ከተማ ሃገራዊ ቅድድም ሪሌ ማራቶን ተኻይዱ። ኣብ’ቲ ውድድር ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ዝወዳደሩ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮንን ኣትሌታት ...
ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝተቓንዐ፡ 131.5 ኪሎ-ሜተር ካብ ንያንዛ ናብ ኪጋሉ ዝተሰርዐ ሻዱሻይ መድረኽ ውድድር ዙር ሩዋንዳ ብዓወት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናሆም ዘርኣይ ክፍጸም እንከሎ፡ ንቐዳማይ ...
ብዛዕባ ኣብ ዩክሬን ንዘሎ ፍሉይ ማዕድናት ውዕል ክፍርሙ ትጽቢት ዝተገብረሎም ፕረዚደንታ ዶናልድ ትራምፕን ቮልድይመር ዘለንስኪን፡ ብዘይ ፍረ እሞ ድማ ብዓውታን ቆይቂን ተበቲኑ። ርክብ እቶም ክልተ ...
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኪየር ስታርመር ኣብ ዋይት ሃውስ ተቀቢሎም ኣናተጊዶሞም። ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ሰለስተ-ዓመታት ዘቁፀረ ሕሱም ኵናት ዩክሬን መዓልቦ ንምግባር ዘለዎም ራኢ’ውን ኣቀሚጦም’ለዉ። እዞም ክልተ ፅኑዓት መሻርኽቲ ብዛዕባ ንግድን ቀረጽን ከምኡ’ዉን ኣብቲ ...
ቀዳማይ ሚኒስተር ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ብሰኑይ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ድሕሪ ዝጀመረ ኲናት ሰሜን ኮንጎ ዛጊት ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ህዝቢ ...
ዝተሓደሰ--ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ተበጺሑ ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምቕጻሉ ኣብ ካይሮ ግብጺ ትማሊ ሓሙስ ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ሚኒስትሪ ዜና ግብጺ ኣመልኪቱ። ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ...
ክሳብ ሚእቲ ሽሕ ዝግመቱ ነበርቲ ኣተንስ ግሪኽ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ሓደጋ ባቡር ብዝገበሩዎ ሰልፊ እታ ከተማ ደስኪላ ውዒላ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ 28 ለካቲት ዘጋጠመ ...